ኩሉ ግዜ ነቲ ዝበለጸ መንገዲ ክንክተል ይግባእ ። ንዝበለጸ መንገዲ (ዝዓበየ ህያባት) ክንህንጠ ከለና መንፈስ ቅዱስ ክወስደናን ኪኖ መዓርግን ህያባትን ክሰርሕ ንፈቅድ። ከመይሲ ሓደ ሰብ ብቛንቋ መላእኽትን ሰብን ክዛረብ ይኽእል እዩ፡ ፍቕሪ (ኣምላኽ) እንተጎዲሎም ግና ዋላ ሓንቲ ኣይኮኑን። ማለት ሓደ ሰብ ብቋንቋታት [ናይ ገዛእ ርእሱ] ሓይሊን ክእለትን ክዛረብ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝበለ ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ኣይረዳዳእን ኢዩ ዘሎ ምኽንያቱ ብመንፈስ ኣምላኽ ጥራይ ኢና ምስኡ ክንረዳዳእ እንኽእል።
								