ስለዚ ዓቢ ከይኮንካ ከሎኻ ዓቢ ከም ዝኽዕንካ እንተመሰለካ መንግስቲ ኣምላኽ ገና ከምዘይመጸት ዘመልክት እዩ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ግዜ ንየሱስ “ መን ይዓቢ፧” ኣብ መንጎኦም ከም ናይ ዘመኑ፣ መዛኑ፣ መሳርሕቲ ወዘተ መን ካብ መን ከምዝበልጹ ክፈልጡ ደለዩ። እንተኾነ ግና ትምህርቲ የሱስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እቲ ንእሽቶ እቲ ዝዓበየ ክኸውን እዩ ኢሉ መሃሮም። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እቲ ዝዓበየ ካብ ዮሃንስ ይዓቢ፡ ትሕትና ዘለዎ ኣገልጋሊ እዩ።
