ጽድቂ ንምፍጻም ጥበብ ኣምላኽ ይሓትት።
ወዲ ዓሰርተው ክልተ (12) ዓመት ከሎ ኢየሱስ ምስ ወለዱ [ዮሴፍን ማርያምን] ናብ በዓል ፋሲካ ኣብ ኢየሩሳሌም ከደ፡ ኣብኡ ድማ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ሽማግለታት ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ጥበብ ኣምላኽ ከም ዝግንዘቡ ብዝገብር መንገዲ ተዛረበ። ኣብቲ ንኡስ ዕድሚኡ ድሮ ነቲ ትምህርቲ [ቃል ኣቦ] ኣብ ገዛእ ርእሱ ጠቢቡ ነበረ። እዚ ድማ ቅድሚ እቲ ምዱብ ዕለቱ ናይ ኣቦ ማለት ምጅማር ኣገልግሎቱን ቅድሚ ዕድመ ሰላሳ (30) እዩ።
								