መንፈስ መስፍን ፋሬስ

ኣብ ህይወትካ ዘይተጸበኻዮ ክትቅበል ድሉው ኩን፡ ዘይትፈልጦ ክትቅበል ድሉው ኩን። ንንጉስና ከነኽብር ከሎና ቅድሚ ኣእምሮናን ልብናን ክንሓትት ኢልና ምኽፋትና ኩላትና እንታይ ከም ዘድልየና ድሮ ይፈልጥ እዩ። ክትጽልዩን ክትልምኑን ከለኹም ፡ ድሮ ዝተመለሰ ጸሎት ኢኹም ትጽልዩ ዘለኹም።ናይ ሓደ ኣማኒ ጸሎት ኣፉ ከይከፈተ ድሮ ጸሎቱቭተመሊሱሉ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ክብሪ ኣብ ልዕሊ ህይወትኩም እእውጅ ኣለኹ፡ ከምዚ ዝበለ ቅብኣት ኣብ ልዕሊ ህይወትኩም እዛረብ። ብ መላእ ዓለም ኣቓልቦ ዝረክብ መንፈሳዊ ሰብ ክውለድ እእውጅ – ዓለም ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ኢድካ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ኣይክህልዋን እዩ። ሓድሽ ልደትካ መጺኡ፣ ዓለም ነቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሳዊ ሰብ ከተስተብህለሉ እያ። ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ እእውጅ ኣለኹ፦ ”[ኣቦ፡ ወልድ፡ መንፈስ ቅዱስ] ብመልክዕናን ምስልናን ሰብ ንግበር እሞ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ይግዝኡ …” ስጋ ዝኾነ ዓይነት ይኹን ብዘየገድስ – ሰብ ይኹን ኣራዊት፡ ንመንፈሳዊ ሰብ ክግዛእ እዩ። ኣምላኽ “ንምድሪ ግዝእዋ” በለ: ትርጉሙ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣእትዋ ማለት እዩ።

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *