ናይ እግዚኣብሄር ንጉሳውነት መግለጺ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚ ምድሪ ኢዩ [ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ] ። ብዙሓት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከይተረድኡ ይጽልዩ [ክሳብ ሕጂ ውን ይጽልዩ]። ፈሪሳውያን ንእየሱስ መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ከም እትመጽእ ሓተትዎ ንሱ ድማ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጦም ከምዘላ መለሰሉም ። ማለት ኣብዚ ኣብ ምድሪ መንግስቲ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ክንገልጾ ሓላፍነት ኣብ ልዕሌና እዩ ዘሎ።
