ኢየሱስ ብኹሉ መንገዲ ኣምላኽ እኳ እንተነበረ፡ ንጉሳዊ ካቦቱ ኣውጺኡ ፡ ንጐድኒ ኣቐሚጡ መልክዕ ባርያ ወሰደ ።
እቶም ከም ቆልዑ ዝመስሉ ጥራይ እዮም መልክዕ ባርያ ክሕዙ ዝኽእሉ። ምኽንያቱ ቆልዓ ምስ ኮንካ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ [ብምልኣት] ክገብር ይኽእል እዩ። እግዚኣብሄር ከም ድላዩ ክሰርሕ መታን ንበይኑ ምሳና ክርራኸብ ይደሊ። ንሱ [ነቶም መንፈስ ቆልዓ ዘለዎም] ብዘይ ናይ ካልኦት ጽልዋ ሓይሉ ክነግሩ ይደሊ ኣሎ።